ዝኸበርኩም ወለዲ/ኣለይቲ፦
ሰናይ ሳመር ! ናብ መጀመርታ ናይ ሓድሽ ዓመተ ትምህርቲ ምድላው ክንገብር ኣብ እንቕጽለሉ እዋን፡ ህዝባዊ ኣብያተ ትምህርቲ Wellesley ንነፍሲ ወከፍ ተማሃራይና ዘለዎ ናይ ህጹጽ እዋን መራኸቢ ሓበሬታ፣ ናይ መዝገብ ሓበሬታ፣ ከምኡ’ውን ካልእ ኣገዳሲ ፍቓዳት ከረጋግጽ ኣድላዪ እዩ። ህዝባዊ ኣብያተ ትምህርቲ Wellesley ነዚ ሓበሬታ’ዚ ንምዕቃብ PowerSchool ዝተባህለ ናይ ኦንላይን መድረኽ ይጥቀም። ናይ ወለዲ ፖርታል PowerSchool ካብ ነሓሰ 13 ክሳብ መስከረም 3፣ 2025 ክፉት ክኸውን እዩ። ኩሎም ወለዲ/ተኸናኸንቲ ኣብዚ ግዜ’ዚ ናብቲ ፖርታል ብምእታው፡ ነዚ ኣገዳሲ ሓበሬታ ናይ ነፍሲ ወከፍ ውላዶም ከረጋግጽዎ ኣለዎም። ሓበሬታ ዋና ክፍሊ (Home Room) ንክፍሊታት K-8 ክቐርብ እዩ። ናይ ክፍሊታት 9-12 ፕሮግራማት ድማ ኣብ ነሓሰ 20፣ 2025 ክቐርብ እዩ። ከምቲ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝነበረ፡ ብሰንኪ ሕግታት ድሕነትን ብሕታውነትን ዝርዝር ክፍልታት ኣይክትረኽቡን ኢኹም (ንተወሳኺ ሓበሬታ ሓፈሻዊ ሕጊ ማሳቹሰትስ (MGL) 603 ኮድ ደንቢታት ማሳቹሰትስ (CMR) 23.00 ርኣዩ)። በጃኹም፡ ገለ ናይ መማህራን ምደባታት ኣብ ምውዳእ ስለ እንርከብ፡ ንስም መምህር ገና ኣይተወሰነ ዝብል ክትርእዩ ከም እትኽእሉ ኣስተውዕሉ።
ከም ማሕበራት ወለድን መማህራንን (PTOs)፣ ትካል ትምህርቲWellesley፣ ወዘተ ዝኣመሰሉ ብዲስትሪክት ዝተፈቕደሎም ናይ ወለድን ማሕበረሰብን መሻርኽትና፡ ንስድራቤታትና ክቡር ጸጋ ምዃኑ እንፈልጦ ናይ ቤት ትምህርቲ መዝገባት ንምድላው፡ መራኸቢ ሓበሬታ ናይ ስድራቤታትና ይሓቱ።ብመሰረት ፖሊሲታት መዝገብ ተማሃሮና (JRA, JRA-R) ከምኡ’ውን ሕጊ ትምህርትዊ መሰላትን ብሕታዊነትን ስድራቤታት (FERPA) ፡ ወለዲ/ ተኸናኸንቲ ነቲ ብመንገዲ ናይ ወለዲ ፖርታል PowerSchool ዝወጽእ ሓበሬታ ዘይምስታፍ ክመርጹ/ከመዓራርይዎ ይኽእሉ። በጃኹም፡ እቲ ምስ ናይ ወለዲ ትካላት ዝተኻፈለ ናይ መዝገብ ሓበሬታ ንንግዳዊ፣ ፖለቲካዊ፣ ወይ ካልእ ሳልሳይ ወገን ከም ዘይውዕል ብምርድዳእ ዝተገብረ ምዃኑ ኣስተውዕሉ።
ሓድሽ ነገር ን2025፡ ህዝባዊ ኣብያተ ትምህርቲ Wellesley ንናይ ሓፈሻዊ መራኸቢ ሶፍትዌርና ናብ ParentSquare ቀይርዎ ኣሎ። ኩለን ስድራቤታት ንሓድሽ ዓመተ ትምህርቲ ኣብ ምድላው፡ ነቲ ናይ ParentSquare App ከውርድኦ ነተባብዕ።
መምርሒታት ንናይ ወለዲ ፖርታል PowerSchool፡- ካብ ነሓሰ 13፣ 2025 ክሳብ መስከረም 3፣ 2025 ፍርቂ ለይቲ
Username (ስም ተጠቃሚ)ን Password (መሕለፊ ቃል)ን ከም እትፈልጥዎ ኣረጋግጹ:- (ኣብ ዝኾነ እዋን ኣብ ሳመር)
ኩለን ስድራቤታት ንደቀን ኣብ ዝምዝግባሉ እዋን ስም ተጠቃሚ ይወሃበን መሕለፊ ቃል ድማ ይፈጥራ፣ መዘኻኸሪ ስም ተጠቃሚ ብኢሜይል ኣብ ነሓሰ 6፣ 2025 ክለኣኽ እዩ። መሕለፊ ቃልኩም እንተ ዘይፈሊጥኩምዎ፡ በጃኹም ናብ መእተዊ ገጽ ናይ ወለዲ ፖርታል ብምኻድ ኣብዚ https://wellesley.powerschool.com/public/home.html?request_locale=ti_ER ፦
- ኣብቲ ስም ተጠቃሚ ወይ ምልክት ቃል ረሲዕካ? (Forgot Username or Password?) ዝብል ጠውቑ
- ናይ ወላዲ ስም ተጠቃሚ (Parent Username) ከምኡ’ውን ናይ ወላዲ ኢሜይል ኣድራሻ (Parent Email Address) ምልኡ እሞ ኣእትው(Enter ) ጠውቑ
- ንመምርሒታት መሕለፊ ቃል ንምቕያር (password reset) ኣብ ኢሜይልኩም ራኣዩ እሞ ሓድሽ መሕለፊ ቃል ፍጠሩ።
- ሓገዝ እንተደሊኹም፡ ናብ portal@wellesleyps.org ኢሜይል ግበሩ።
ዝምለሱ ተጠቀምቲ:- (እዚ እቲ ፖርታል ኣብ ነሓሰ 13፣ 2025 ምስ ተኸፍተ ክምላእ ይከኣል)
ናብቲ ፖርታል ብ https://wellesley.powerschool.com/public/home.html?request_locale=ti_ER ወይ ነቲ PowerSchool App ብምጥቃም እተዉ።
- ኣብቲ “Forms” (“ቕጥዕታት”) ዝብል ዝርዝር ጠውቑ
- ንኹሎም “WPS – Annual Update” (“WPS – ዓመታዊ እዋናዊ ሓበሬታ”) ዝብሉ ቅጥዕታት ምልኡ እሞ ኣብ ታሕቲ ነፍሲ ወከፍ ቅጥዒ “Submit” (“ ለኣኽ”) ዝብል ጠውቑ። (ለውጥታት ኣድለይቲ እንተ ዘይኮይኖም’ውን፡ በጃኹም ናብቲ ኣካውንትኩም እተዉ እሞ ነፍሲ ወከፍ ቅጥዒ “Submit” (“ ለኣኽ”) ብምግባር ንዝመጽእ ዓመተ ትምህርቲ ኣካውንትኩም ኣሐድስዎ።)
- ናይ ነርሲንግ ዲፓርትመንት SNAP ፖርታል ጥዕና ካብቲ PowerSchool ፖርታል ክርከብ ይከኣል
- እቲ ናይ ምርግጋጽ ገጽ፡ ሓበሬታ ዋና ክፍሊ ንውሉድኩም (ንክፍሊታት K-8 ጥራይ) ከጠቓልል እዩ
- ነዚ መስርሕ’ዚ ንነፍሲ ወከፍ ውሉድ ተኸተልዎ፣ ብዘይካ እቲ ብፍቓድ ዝግበር “Contact Information Change” (“ለውጢ ርክብ ሓበሬታ”) ዝብል ቅጥዒ፡ ንሱ ንሓንቲ ስድራቤት ሓደ ግዜ ጥራይ ክምላእ ኣለዎ።
ስልጠና ናይ ወለዲ ፖርታል ንወለዲ (ኣድላዪ እንተኾይኑ): –
- ኣቐዲሞም ዝተቐርጹ መምሃሪታት:- ቪድዮታት ስልጠና ናይ ወለዲ ፖርታል WPS ኣብ ዝሰማማዓኩም ግዜ ባዕልኹም ርኣዩዎ
- ናብ portal@wellesleyps.org ተራኸቡ እሞ ሓደ ኣባል ጕጅለ ናይ WPS ፖርታል ብስልኪ፣ ብኢሜይል፣ ወይ በቲ ParentSquare App ኣብ ስራሕ ሰዓታት ብታሕጓስ ክሕግዘኩም እዩ።
ጥቅል ጽሑፋት ናብ ቤት ትምህርቲ ምምላስን መጽሓፍ መምርሒታትን ምስ ዓመታዊ ሓበሬታታት፡ ኣብቲ ናይ ቤት ትምህርቲ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ክፋል ቅልጡፋት መላግቦታት (Quick Links) ይርከብ። ንደገፍኩም ነመስግን፣ ጽቡቕ ዓመተ ትምህርቲ ክኸውን ድማ ብተስፋ ንጽበ!
ምስ ሰላምታ፣
ዶክተር David F. Lussier
ሓለቓ ኣብያተ ትምህርቲ