ዝኸበርኩም ወለዲ/ኣላዪታት፦

ርሑስ ሓጋይ ይግበረልና! ንመጀመርታ ሓድሽ ዓመት ትምህርቲ ምድላዋት ኣብ እንገብሮ ዘለና እዋን፤ ህዝባዊ ኣብያተ ትምህርቲ Wellesley ንነፍሲ ​​ወከፍ ተማሃሮና ህጹጽ ርክብ ሓበሬታ፤ ሓበሬታ ማህደርን ካልእ ኣገዳሲ ፍቓድን ከረጋግጽ ኣገዳሲ እዩ። ህዝባዊ ኣብያተ ትምህርቲ Wellesley ነዚ ዳታ ንምዕቃብ ፓወርስኩል (PowerSchool) ዝበሃል ናይ ኦንላይን መድረኽ ይጥቀሙ። ፖርታል ወለዲ ፓወርስኩል (PowerSchool) ካብ 16 ነሓሰ ሰዓት 12፡00 ቀትሪ ክሳብ 6 መስከረም 2023 ክፉት ክኸውን እዩ። ኩሎም ወለዲ/ኣላዪታት ኣብዚ ግዜ እዚ ነዚ ኣገዳሲ ሓበሬታ ንነፍሲ ​​ወከፍ ደቆም ንምርግጋጽ ናብቲ ፖርታል ክኣትዉ ኣለዎም። ናይ ሆምሩም (ኣብ ሓደ ክፍሊ ዝርከቡ ተማሃሮ ሓፈሻዊ ሓበሬታ ንምርካብን ተሳትፎኦም ንምፍታሽን ዝራኸብሉ ክፍሊ) ሓበሬታ ካብ መዋእለ ህጻናት/ቅድመ መዋእለ ህጻናት ክሳብ 8ይ ክፍሊ ንዘለዉ ክቐርብ እዩ። ከምቲ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝነበረ፤ብሰንኪ ሕግታት ድሕንነትን ግላውነትን ዝርዝር ክፍልታት ኣይክቕበሉን እዮም (ንተወሳኺ ሓበሬታ MGL 603 CMR 23.00 ርኣዩ)። ምምዳብ መምህር ንምዉዳእ ኣብ ከይዲ ስለዘለና ንስም መምህር ክውሰን እዩ (TBD) ዝብል ክትሪኡ ከም እትኽእሉ ኣስተውዕሉ።

ብዲስትሪክት ዝጸደቑ ናይ ወለድን ማሕበረሰብን መሻርኽቲ ከም ፒቲኦታት (PTOs)፤ ፋውንዴሽን ትምህርቲ Wellesley (Wellesley Education Foundation) ወዘተ፤ናይ ቤት ትምህርቲ ማህደራት (ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ዘለዉ ኩሎም መምህራንን ተማሃሮን ዝሓዘ ሰፊሕ ዝርዝር) ንኸቕርቡ ንስድራቤታትና ርክብ ሓበሬታ ይሓቱ። እዚ ድማ ንስድራቤታትና ክቡር ጸጋ ምዃኑ ንፈልጥ። ብመሰረት ፖሊሲ መዛግብቲ ተማሃሮና (JRA, JRA-R) ከምኡ’ውን ሕጊ ትምህርታዊ መሰላትን ብሕታዊነትን ስድራቤት (FERPA) ፤ ወለዲ ነቲ ብመንገዲ ፖርታል ወለዲ ፓወርስኩል ዝወጽእ ሓበሬታ ክወጹ (ኣካል ናይቲ ንጥፈት ከይኾኑ ክመርጹ) /ከማዕብልዎ ይኽእሉ። ምስ ትካላት ወለዲ ዝካፈል ናይ ማህደር ሓበሬታ፡ እዚ ሓበሬታ ንንግዳዊ፣ ፖለቲካዊ ወይ ካልእ ሳልሳይ ወገን ኣጠቓቕማ ከምዘይውዕል ብምርዳእ ከምዝግበር ኣስተውዕሉ።

መምርሒታት ፖርታል ወለዲ ፓወርስኩል፡ ካብ ነሓሰ 16፣ 2023 ሰዓት 1200 ቀትሪ ክሳብ መስከረም 6፣ 2023 ፍርቂ ለይቲ

ናቶም ናይ ተጠቃሚ ሽምን መሕለፊ ቃልን (ፓስዎርድ) ምፍላጦም የረጋግጹ: (ኣብ ዝኾነ ግዜ ኣብ እዋን ሓጋይ)

ኩሎም ስድራቤታት ተማሃሮኦም ክምዝግቡ ከለዉ ስም ተጠቃሚ ይቕበሉን መሕለፊ ቃል(ፓስዎርድ) የቐምጡን፣ ናይ ተጠቃሚ ስም መዘኻኸሪ ኢመይል ንዕለት ነሓሰ 9፣ 2023 ክለኣኽ እዩ። መሕለፊ ቃሎም እንተዘይፈሊጠምዎ፡ በጀኦም ናብቲ ናይ ወለዲ ፖርታል መእተዊ ስክሪን  https://wellesley.powerschool.com ይኺዱ፡

  • ስም ተጠቃሚ ወይ መሕለፊ ቓል ረሲዖም? (Forgot Username or Password?) ኣብ ዝብል ይጠውቑ።
  • ናይ ወላዲ ተጠቃሚ ሽም (Parent Username) ን ናይ ወላዲ ኢመይል ኣድራሻ (Parent Email Address) ን ይምልኡ እሞ፤ኣእትዉ (Enter) ዝብል ይጠውቑ።
  • መምርሒታት ዳግመ-ምዕራይ መሕለፊ ቃል ንምርካብ ኢመይሎም ይኽፈቱ፤ ካብኡ ሓድሽ መሕለፊ ቃሎም የቕምጡ።
  • ሓገዝ እንተደልዮም ናብ portal@wellesleyps.org ኢመይል ይግበሩ።

ዝምለሱ ተጠቀምቲ፦ (እዚ፡ፖርታል ነሓሰ 16፣ 2023 ሰዓት 12፡00 ድሕሪ ቀትሪ ምስ ተኸፍተ ክዛዘም ይኽእል እዩ)

ናብ https://wellesley.powerschool.com ወይከዓ ፓወርስኩል (PowerSchool) መተግበሪ ብምጥቃም ናብቲ ፖርታል ይእተዉ።

  • ኣብቲ ” ቅጥዕታት (Forms)” ዝብል ናይ ዝርዝር ኣቕሓ ጠውቕ
  • ኣርባዕቲኦም “ደብሊዉፒኤስ – ዓመታዊ እዋናዊ ሓበሬታ (WPS – Annual Update)” ቅጥዕታት ብምምላእ ኣብ ትሕቲ ነፍሲ ወከፍ ቅጥዒ “ኣእትው (Submit)’’ ዝብል ጠውቕ። (ዋላ ለውጢ ኣድላዪ እንተዘይኮይኑ፡ ንዝመጽእ ናይ ትምህርቲ ዓመት መፍለዪ መንነትኩም(ኣካውንትኹም) ዘመናዊ ወይከዓ እዋናዊ ንምግባር፡ በጃኹም ኣቲኹም ነፍሲ ወከፍ ቅጥዒ ‘ኣእትዉ (Submit)’ ዝብል ጠውቑ።)
  • ናይ ነርሲንግ ክፍሊ SNAP ናይ ጥዕና ፖርታል ካብ ፓወር ስኩል (PowerSchool) ፖርታል ክትረኽብዎ ትኽእሉ ኢኹም።
  • እቲ ናይ መረጋገጺ ገጽ ንውላድኩም ዝምልከት ናይ ሆምሩም (ኣብ ሓደ ክፍሊ ዝርከቡ ተማሃሮ ሓፈሻዊ ሓበሬታ ንምርካብን ተሳትፎኦም ንምፍታሽን ዝራኸብሉ ክፍሊ) ሓበሬታ ከጠቓልል እዩ (ካብ መዋእለ ህጻናት/ቅድመ መዋእለ ህጻናት ክሳብ 8ይ ክፍሊጥራይ)
  • ብዘይካ እቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ስድራቤት ሓደ ግዜ ጥራይ ክምላእ ዘለዎ ኣማራጺ “ለውጢ ርክብ ሓበሬታ (Contact Information Change)” ዝብል ቅጥዒ ንነፍሲ ​​ወከፍ ቆልዓ ነዚ ኣገባብ ተኸተል።

ስልጠና ፖርታል ወለዲ ንወለዲ (ኣማራጺ)

ናብ ቤት ትምህርቲ ምምላስ ፓኬታት፤ዓመታዊ ምልክታታት ዘለዎም መጽሓፍቲ፤ኣብ ክፍሊ ቅልጡፍ ሊንክታት ናይ እቲ ቤት ትምህርቲ መርበብ ሓበሬታ ይርከብ። ንዝገበርኩምልና ደገፍ የቐንየልና ብሉጽ ናይ ትምህርቲ ዓመት ድማ ብሃንቀውታ ንጽበ!

Secured By miniOrange